ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣፋውስ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኢድ ብኢድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መድሐኒት ፍቓድ ምሻጥ ይኹን ምክፍፋል እንተይሃለዎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣፋውስ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ካብ ሕብረተሰብ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ብዝገበሮ ክትትል ኢዩ ክልተ ውልቀ ሰባት ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ዘይብሎም እናሃለወ ዳማስ ብዝተብሃለት መኪና ዝተፈላለዩ ኣፋውስ ፅዒኖም እንትንቀሳቐሱ 25 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 10 ፍሉይ ሽሙ ማእኸል ዕዳጋ እፎይታ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም፡፡

ኣብቲ ጉዳይ መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ምርመራ እናካየደ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ዝተፈላለዩ ኣፋውስ ካብ ከተማ ድሬዳዋ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝመፅኡን መድሓኒት ናይ ምሻጥን ምዝውዋርን ፍቓድ ዘይብሎም ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ሕጊ ተኸቲሎም ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ማሕበረሰብ ንግዲ ልዑል ፅዕንቶ ዘስዕብ ተግባር ከምዝኾነ ምግላፁ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment