ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዜጋታት ወፃኢ ንኽምዝገቡ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ንኽምዝገቡ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣተሓሳሲቡ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ግልጋሎት ማስተዋል ገዳ÷ እቲ ምዝገባ ቪዛን መንበሪ ፍቓዶምን ግልጋሎቱ ዝሓለፎ ከምኡ እውን ኣብቲ ትካል ምዝገባ እንተይገበሩ ተቖፂሮም ንዝሰርሑ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ከምዝምልከት ገሊፆም።

ምዝገባ ዝካየድ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ግልጋሎት እንትኸውን ኣብ ስራሕ ሰዓት መንግስቲ ሰነዳቶም ብመሓዝ መፂኦም ሕጋዊ ክገብሩ ኣለዎም ተባሂሉ፡፡

እቲ ግልጋሎት ብዝገበሮ ምፅራይ ካብ 21 ሺሕ ዝበልፁ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝነብሩ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment