ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ንምውፃእ እናተዳለዉ ዝነበሩ 45 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከተማ ገንዳ ውሃ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ንምውፃእ እናተዳለዉ ዝነበሩ 45 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኮሙዩኒኬሽን መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ዋና ኢንስፔክተር ወርቁ ጫኔ፥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይ ከምዝኾና ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተሓቢአን ናብ ሱዳን ንምውፃእ እናተዳለዋ እናሃለዋ፥ ካብ ሕብረተሰብ ዝበፅሐ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ብዝተገበረ ክትትል ከምዝተትሓዛ እውን ኣብሪሆም።

ብጎስጓስ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ገንዘብ ብምኽፋል ዝመፅኣ ምዃነን ዘገለፁ እቶም ዋና ኢንስፔክተር፥ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ንምቁፅፃር ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንምውፃእ እንትፍትና ዝተትሓዛ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝመፅአኦ ንምምላስ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እተን መናእሰይ ናብ ሱዳን ምስ ኣተዋ ናብ ስዑድ ዓረብ ንምስጋር ሃቂነን ዝነበራ እንትኾና፥ ናብ ስዑድ ዓረብ ምስ ኣተዋ ድማ ተወሳኺ ብር 50 ሺሕ ንደላሊ ንምፍፃም ተስማዕሚዐን ጉዕዞ ምጅማረን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment