ብዘይሕጋዊ መገዲ ቆፃሪ ኢሌክትሪክ ብምግጣም እንትጥቀሙ ዝነበሩ ግለሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣  7 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦ ብዘይሕጋዊ መገዲ ቆፃሪ ኢሌክትሪክ ብምግጣም እንትጥቀሙ ዝነበሩ ግለሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ገበን ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 9 ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ 5 ግለሰባት ብደለልቲ ኣቢሎም ምስ ሰብ ሞያ ብምርኻብ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ኣፍልጦ ወፃእ  ብዘይሕጋዊ መገዲ ቆፃሪ ኢሌክትሪክ ብምግጣም ብናይ ሓሶት ብፅሒት 78 ሺሕን 450 ነክኽፈል ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ናይቲ ትካል ሰብ ሞያ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ብመሰረት ዘረጋገፆ ዝተወገዲ ቆፀርቲ ምግጣሞም ከምዘረጋገፀ ጸፖሊስ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ገበን ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment