“ብዘተ ትድሓን ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብዘተ ትድሓን ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ማሕበራት ፅንዓት ንኢትዮጵያን ሰላምን ሓድነትን ንኢትዮጵያን ብሓባር “ብምይይጥ ትድሓን ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጉዳይ እቲ ሃገራዊ ዘተ ግንዛበ ዘጨብጡ መልእኽቲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምምሕልላፍ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ወፍሪ እናካየዱ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ፡፡

እቶም ማሕበራት ሎሚ ከም ሃገር ንብዙሕ ዓመታት ሒዝናዮም ዝተጓዓዛናዮም ዘጨቃጭቑ ሃገራዊ ተረኻት ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ እንታይ ዓይነት መፍትሒ ክዳለወሎም ይኽእል ኣብ ዝብልን ኣብ ኮልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ጠሚቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፓናል ዘተ እናካየዱ ይርከቡ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዮናስ ኣዳዬ (ዶ/ር)÷ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ዝወገነኖም ተግባራትን ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረትን ብዝምልከት ንተሳተፍቲ ገለፃ ገይሮም፡፡

በኣብቲ መድረኽ ዘተ መዛተዪ ሰነዳት ቀሪቦም ተሳተፍቲ እናተዛተዩሎም ከምዝርከቡ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናየዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment