ብዓውዲ ጥዕና መናእሰይ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ክፈጥሩ ከምዝግባ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይን ሰሙነ ፎረም ጥዕና መናእሰይን “ፈጠራ ንዝሓሹ መናእሰይ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ተባፃሕነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ተኸቢሩ።

ጥዕናዊ ኣገልግሎት ተባፃሕነት ንምግባር ስራሕቲ ምህዞ ብምብርትታዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል በዝሒ ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝበለፀ ተረባሕቲ ንምግባር ኣብ ጎኖም ደው ምባል ከምዝግባእ ሚኒስትር ዴኤታ ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወይዘሮ ህይወት ሃይሉ ተዛሪበን።

ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዳይሬክተር ጀነራል ፕሮግራም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዶክተር ኣብዮት ባዩ ብግደኦም፤ ነባራዊ ኩነታት ሃገርና መሰረታዊ ፀገማት ጥዕና፤ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ማእከል ዝገበሩ ኣብ ስራሕቲ ኢኖቬሽን ትኹረት ምሃብ የድልየና እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምፍጣር መናእሰይ ዓብይ ሚና ክፃወቱ ይግባእ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል፤እቲ ዓውዲ ናይ ኩሎም ትካላት ጉዳይ ብምዃኑ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment