ብዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ማይጨው ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ዘበን ዝበዓል ብዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ክኽበር ኢዩ።

እቲ ብዓል ኩሉ ትግራዋይ ዝተዓደመሉን ንዘይምትራፍ ክውስነሉ ዝግባእን ኢዩ ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ ብዓል ጥምቀት ብፍሉይ ድምቀት ንምብዓል ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ብምውጋን ብልዑል ክብሪ ኣጋይሽ ንምትእንጋድ ትፅቢት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ከተማታት ዞባ ደቡብ ኣብ ሆቴልን ሎጅን ኢንቨስት ንምግባርን መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስን ድልየት ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ነዚ ዝምልከት መድረኽ ዘተ 10 ጥሪ 2012ዓ.ም ተዳሊዩ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

“ብድምር ታሪኻዊት ከተማ ማይጨው፣ እምባ ኣላጀ፣ ካብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ጎቦ ፅበት፣ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ ትግራይ ዝኾነ ቃላይ ሓሸንገ፣ ደኒ ሕጉምብርዳ፣ ኮረፌ ኦፍላ/ኮረም፣ ገዳማት ማህበር በኩሩን ኣባ ጉባን፣ መስጊድ ሕጅቢ ወራባየ ወይ ጎልጎል ራያ ንምርኣይን እቲ ኣዝዩ ምቁር ባህሊ ራያ ንምስትምቓርን ኩልኹም ኣብቲ ብዓል ተዓዲምኩም ኣለኹም፤” ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment