ብዓል ዒድ ኣል ፈጥር ውርሒ ምሸት ሰኑይ እንተተራእያ ሰሉስ እንተዘይተራእያ ድማ ረቡዕ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዓል ዒድ ኣል ፈጥር ውርሒ ምሸት ሰኑይ እንተተራእያ ሰሉስ እንተዘይተራእያ ድማ ረቡዕ ክኽበር ኢዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ መበል 1 ሺሕን 445 ዓመተ ህጅራ ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ፥ ብዓል ዒድ ኣል ፈጥር ውርሒ ምሸት ሰኑይ እንተተራእያ ሰሉስ እንተዘይተራእያ ድማ ረቡዕ ክኽበር ኢዩ ኢሉ

ህዝበ ሙስሊም እቲ ብዓል እንተኽብር ኣብ እዋን ፆም ዝፍፅሞ ዝነበረ ምድግጋፍን ንዝተፀገሙ ወገናት ምሕጋዝን ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ።

ብቤተልሄም መኳንት

Comments (0)
Add Comment