ብዓል ቃና ዘገሊላ ኣብ መላእ ትግራይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ቃና ዘገሊላ ኣብ መላእ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

እቲ ብዓል ብፍላይ ብብርኪ ክልል ብዓል ጥምቀት ኣብ ዝተኸበረሉ ከተማ ማይጨው ብዝደመቐ ኩነታት ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ ምእመናን ሃይማኖታዊ ስርዓት ሓሊዮም ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ዝሓደረሉ ከባቢ ናብ ኣድባሩ የፋኑዉ ኣለዉ።

ብዓል ቃና ዘገሊላ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃና ዘገሊላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝነበረ ድግስ መርዓ ተረኺቡ ማይ ናብ ወይኒ ዝቐየረሉ ተኣምራዊ ዕለት ኢዩ።

  

ስለዝኾነ ካብ መንጎ እቶም ዕለት 10 ናብ ጥምቀተ ባህሪ ኣምሪሖም 11 ጥሪ ናብ መንበረ ክብሮም ዝተመለሱ ታቦታት ተፈሊዩ ዝፀንሐ ታቦት ቅዱስ ሚካኤል፥ ካብ ዝሓደረሉ ከባቢ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣድባሩ ብኽብሪ ዝምለሰሉ ዕለት ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment