ብዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኤጀንሲ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ንምምሕያሽ ዝተሰናደአ ተበግሶ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኤጀንሲ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ንምምሕያሽ ዝተሰናደአ ተበግሶ ዕላዊ ኮይኑ።
እቲ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ንምምሕያሽ ዝተሰናደአ ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዩ ዕላዊ ኮይኑ።
እቲ ኢኒሼቲቭ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ፣ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪካ፣ ፕሬዚዳንት ሴኔጋል፣ ማላዊን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተመሪቑ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፥ ካንሰር ንምክልኻል ዝተቐረፀ እቲ ኢኒሸቲቭ ዕዉት ንክኸውን ከምዝሰርሑ ብምግላፅ ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኦቶሚክ ስምምዕነት ከቲሞም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ኢኒሸቲቭ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ጥራሕ ዝርከብ ሕክምና ጨረራ ካንሰር በምስፋሕ ሃገርና ተረባሒት ክትከውን ዝገብር ኢዩ ኢለን።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ፥ ኢትዮጵያ ናይ ኒውክሌር ቴክኖሎጂ ንሰለማዊ ረብሓ ንምውዓል ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ብቕርበት ትሰርሕ ከምዘላ ምዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ
የረድእ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment