ብውልቀ ብዝግበር ቃልሲ ኮቪድ-19 ምስዓር ኣይከኣልን-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምትሕብባር እምበር ብውልቀ ብዝግበር ቃልሲ ኮቪድ-19 ምስዓር ከምዘይከኣል ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድጋፈን ብምግላፅ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ- 19 ኣብ ዓለም ብምኽኒያት ዘብፅሖ ፅዕንቶ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ሰረት ብምንጋዕ ኣነባብራ ደቂ ሰባት ሙሉእ ብሙሉእ ምቕያሩ ኣዘኻኺረን።

ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም፣ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ህዝብታት ዓለም ንስራሕ ስእነት ምቅልዖምን ዓለምና ብዓውዲ ኢኮኖሚ ብትሪሊየን ዝግመት ገንዘብ ከምዝሰኣነተን እውን ተዛሪበን።

ብፍላይ በቲ ለበዳ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾና ከም ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝበላ ዓዲታት ዝነብሩ ዜጋታት ድማ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝበፅሖም ሓቢረን።

ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ፍሉይ ከምዝኾነ ብምግላፅ “ሃንደበት ኹላትና ንገዛእርእስና ኣብ ሓደ ጃልባ ዝረኸብናሉ ኣጋጣሚ ኢዩ” እውን ኢለን።

ስለዝኾነ ከምዚ ዝበለ ፀገም ምሕላፍ ዝከኣል ብሓባር ብምዃን ኢዩ ብምባል ሓቢረን።

“ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቴኒዮ ጉቴሬዝ ዘቕተብዎ ፃውዒት ምትሕብባር እድግፎ ኢየ” ብምባል፥ ካብዚ ወፃእ ምንም ዓይነት ኣማራፂ ከምዘየለ ገሊፀን።

ሐዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፃውዒት ምትሕብባር ሸለል ምባል ማለት ሞት ዘስዕብ ኢዩ እውን ኢለን።

ብምትሕብባር እምበር ብውልቀ ብዝግበር ቃልሲ ኮቪድ 19 ምስዓር ከምዘይከኣል ድማ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment