ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሰንዶካን ኣበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ጅግጂጋ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሰንዶካን ኣበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ጅግጂጋ ኣቲዩ።

እቶም ልኡኻት ኣብ ከተማ ጂግጂጋ መዕርፎ ነፈርቲ ገራድ ዊልዋል እንትበፅሑ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ሶማሌ ዶክተር ኣብዱልፈታህ ሼክ ቤሂ ኣቀባበል ገገይሮምሎም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ፌዴራል ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ቅድም ክብል ኣብቲ ክልል ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተመደቡ ቦታታት እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘፅነዖ መፅናዕቲን ኣብ ቀፃሊ ህንፀት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝጅመረሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል ከምዝዛተ ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ዝረኸበናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment