ብዋና ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳን ኦስማን ዲዮን ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳን ኦስማን ዲዮን ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ጅግጅጋ መዕርፎ ነፈርቲ ገራድ ዊልዋል እንትበፅሕ፥ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፣ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ኣይተ ኢብራሂም ዑስማንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሰቲን ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

በቶም ዋና ዳይሬተር ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ኣመልኪቱ ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ክልልን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment