ብወራር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተመዛበሉ ልዕሊ 1 ሚሊየንን 76 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ይግበር ኣሎ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብወራር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተመዛበሉ ልዕሊ 1 ሚሊየንን 76 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ እናተገበረ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብጉጅለ ግንረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ቁፅሮም ልዕሊ 1 ሚሊየን ከምዝበፅ ገሊፀን።

ነዞም ዜጋታት መሰረታዊ ቀረብ ሓገዝ ምግቢ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ጥራሕ 265 ሺሕን 291 ኩንታል ምግቢ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክከፋፈል ተገይሩ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ ንልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ምሕጋዝ ተኻኢሉ።

ኣብ ክልል ዓፋር እውን ብተመሳሳሊ ልዕሊ 76 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ንደሓር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ልዕሊ 36 ሺሕ ኩንታል መሰረታዊ ቀረብ ምግቢ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እቲ ሓገዝ ብመንግስቲን ብሓገዝቲ ትካላትን ኣቢሉ እናቐረበ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment