ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ፈሳሲን ማይን ኣዲስ ኣበባ ብወራር ህወሓት ጉድኣት ንዝበፅሐን ከተማታት ኮምቦልቻ፣ ደሴ፣ ከሚሴን ወረኢሉን 19 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎ ሓገዝ ናውቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ፈሳሲ ማይ ገይሩ።
እቲ ሓገዝ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ዕዮ ዘተኣኻኸቡዎን ካብቲ ትካል በጀት ብምምዳብን ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ ናውቲ ኣገልግሎት ማይ፣ ሞተር ሳይክላት፣ ቱቦታት ማይ፣ ኮምፒዩተራትን ፕሪንተራትን ከምኡ እውን ፓወር ኬብልን ካልኦትን ዘካተተ ኢዩ።
የኮምቦልቻ ውሃና ፍሳሽ አገልግሎት ተወካይ ኃላፊ አቶ ኑረዲን ኢማም፥ ድጋፉ አገልግሎቱን በአግባቡ ለመስጠትና ንፁህ የመጠጥ ውሀ ተደራሽ ለማድረግ እንደሚያግዝ ተናግረዋል
ተወካሊ ሓላፊ ኣገልግሎት ማይን ፈሳሲን ኮምቦልቻ ኣይተ ኑረዲን ኢማም፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ግቡእ ኣገልግሎት ንመሃብን ፅሩይ መስተ ማይ ተበፃሒ ንምግባርን ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም፡፡
ብተመሳሳሊ ዜና ዩ.ኤስ.ኤይድ ትራንስፎርም ፕራይሜሪ ሄልዝ ኬር ፓዝ ፋይንደር ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግህምራ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ወገናትን ዝተዘረፉ ትካላት ጥዕናን ዝውዕል 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ናውቲ ሓገዝ ገይሩ።
ብኣንድነት ናሁሰናይ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።