ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብወራሪ ጉጅለ ህወሓት ካብ ሰሜን ወሎን ዓፋርን ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ሰብኣዊ ድጋፍ ይግበር ከምዘሎ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ምትኩ ካሳ ገሊፆም።
ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ምስ ፋና ብድሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ን346 ሺሕን 818 ተፈናቐልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ካብ ዞባ ሰሜን ወሎ ብምፍንቓል ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ንዝርከቡ 118 ሺሕ ዜጋታት ብመንግስት ድጋፍ ዝግበረሎም ዘሎ እንትኸውን፥ 60 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ድማ ብመዳርግቲ ትካላት ብፍላይ ኤፍ.ኤች አይ በዝበሃል ግብረ ሰናይ ትካል ድጋፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ 92 ሺሕን 318 ሰባት ሓገዝ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም።
ነቶም ዜጋታት ብወገን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናይ ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ንፁህ መስተ ማይን ካልኦትን ኣቕርቦታት ብህፁፅ ንክባፃሕ ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሰሜን ወሎ ንዝርከቡ 11 ሺሕን 500 ዜጋታት፣ ኣብ ሰሜን ጎንደር ንዝርከቡ 119 ሺሕ ዜጋታት ድጋፍ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ክልል ዓፋር ብዝምልከት ድማ ኩሉ ከባቢታት ካብ ወራሪ ህወሓት ነፃ ብምውፅኦም ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 76 ሺሕን 500 ተፈናቐልቲ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ በቲ ወራሪ ሓይሊ ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲን ማይን መሊስካ ናይ ምፅጋንን ምህናፅን፣ ሰብ ሞያ ብምምዳብ ኣብቶም ትካላት ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
በአሁኑ ጊዜ በኢትዮጵያ በድርቅ በጎርፍ አደጋና በግጭት ምክንያት 11 ሚልዮን የሚሆኑ ዜጎች እርዳታ እንደሚሹም ከኮሚሽነር ምትኩ ማብራሪያ ለመረዳት ተችሏል ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብኢትዮጵያ ብምኽኒያት ድርቂ ውሑጅ ሓደጋን ጎንፂን 11 ሚልዮን ዜጋታት ሓገዝ ደለይቲ ከምዝኾኑ ኮሚሽነር ምትኩ ኣብሪሆም።
ብኣሰፋ ኣሕመድ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።