ብኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ትራንስፖርት በሕሪ ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ንዝተፈጠረ ፅንቶ ኣማራፂታት እናተኣለሹ ከምዝኾኑ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ትራንስፖርት ባሕሪ ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ፅንቶ ኣማራፂታት እናተኣለሹ ከምዝኾኑ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ሓደ ወርሒ ዝሓለፎ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ብብርኪ ዓለም ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶታት ምሕዳሩ ተመልኪቱ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዘሕደሮ ፅዕንቶ እናንሳዕረረ ዝነበረ ምዝባዕ ንግዲ ዓለም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን ካሊእ ፅዕንቶ ተፈጢሩዎ ኢዩ።

ብፍላይ ፍርያታት ምግቢ፣ ነዳዲ፣ ዘይቲን ካልኦት ፍርያታትን ልዑል ወሰኽ ዋጋ ዝተርኣየሎም እንትኾኑ፥ እቲ ኲናት ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪ እውን ጉድኣት እናስዐበ ይርከብ ተባሂሉ።

“ኲናት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ከቢድ ፈተና ኣንፀላሊዩ ኢዩ” ዝበሉ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ትራንስፖርት ባሕሪ ወንድወሰን፥ መርከባት ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣገልግሎት እናወሰኸ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ወፃኢ ነዳዲኦም ካብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ንደሓር 42 ሚኢታዊ ወሰኽ ከስዕብ ከምዝኽእል ብምሕባር፤ ተዋጋእቲ ሃገራት መተሓላለፍቲ ኣውሮፓን ኤዥያን መተሓላለፍቲ ስለዝኾና ብባቡር ንዝጓዓዙ ፍርያታት ልዑል ፀገም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኲናት ክልቲአን ሃገራት መዕለቢ እንተዘይረኺቡ ኣብ ትራንስፖርት ባሕሪ ዝፍጠር ፅንቶ ተጋዲዱ ክቕፅል ከምዝኽእል ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ካብ ከባቢ ፀሊም ባሕሪ ዝኣትዉ ፍርያታት ዝትክኡ ኣማራፂታት ብካልኦት ሃገራት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ኣፈፃሚ ስራሕ፥ ካብ ኦማን ፍርያት ሓጺን እናኣተዉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብ ህንዲ ሓፂን ስርናይን ናይ ምእታው ኣማራፂታት ከምዘለዉ ብምፅሕ፤ ካናዳን ኣርጀንቲናን እውን ኣፍረይቲ ስርናይ ሃገራት ስለዝኾ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ምርኣይ ከምዝጠቅም ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment