ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ብውዕል ፍሪያት ግብርና (ኮንትራት ፋርሚንግ) ካብ ዝለምዐ ሰሊጥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ትፅቢት ከምዝግበር ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ዴስክ ውዕል ፍሪያት ግብርና እቲ ሚኒስቴር ሱልጣን መሓመድ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፅዎ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ኣብ 191 ሺሕን 641 ሄክታር መሬት ሰሊጥ ከምዝለምዐ ገሊፆም።
ብሓፈሻ ካብቲ ዝለምዐ መሬት ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ብዮሐንስ ደርበው