ብኩታ ገጠም ኣብ 100 ሄክታር ስፍሓት መሬት ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ምብዛሕ ዘርኢ ኮራ ዓሌት ጣፍ ዑደት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምርምር ሕርሻ አክሱም ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ፕሮጀክት ምጥንኻር ስርዓተ ምግቢ ኣብ ወረዳታት ላዕላይ ማይጨውን ዓዴትን ዝሰርሖም ስራሕቲ ዑደት ሓረስቶትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣካይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዑደት ሓረስቶት፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ኣመራርሓ ወረዳታትን ዞባን፣ ተመራመርቲ ሕርሻ፣ ኣመራርሓ ዘርኢ መባዛሕቲ ዩኔን ተረኺቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ምርምር ምፍልፋል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ዘራእቲ ጣፋ፣ ስርናይን ዓተርን፣ ስራሕቲ ቅድመ ኤክስቴንሽን ምፍላጥ አኣክሱማዊት ዓሌት ጣፍ፣ ብማእኸል ምርምር ሓመድ ሽረ ምስ ልሙዕነት ሓመድ ተተሓሒዙ ኣብ ዘራእቲ ጣፍ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ዑደት ተኻይዱ።

ካብዚ ቀፂሉ ኣብ ወረዳ ዓዴት ጣብያታት ጅራን ማይዳንያን ብኩታ ገጠም ኣብ 100 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዝስራሕ ዘሎ ምብዛሕ ዘርኢ ኮራ ዓሌት ጣፍ ዑደት ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዑደት ከም ማእኸል ወላ ኣብ ሕፅረት በጀት ኮይኑ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ፅቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ብፍላይ ኣብ ምብዛሕ ዘርኢ ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ፅሬቶም ሓልዮም ንቐፀሊ ቀረብ ሙሩፅ ዘርኢ ክልልና ክፈትሑ ክስራሕ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

ሓረስቶት እቶም ብምርምር ዝተኣታተው ዘለው ዓሌታት ዘራእቲ ዝበለፁ ብምዃኖም ንቐፃሊ ንምስፋሕ ኣድላይ ዘበለ ደገፋን ክትትልን ንኽግበረሎም ምሕታቶም እቲ ማእኸል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment