ብከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝሓለፋ ሃገራት እንታይ ውፅኢት ኣመዝጊበን?

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመክሮ ብከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝሓለፋ ሃገራት ዘርእዮ፥ ዘተ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ከምዘረጋግፅ ኢዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ከይዲ ዘተ ንክኣትዋ ዘድለየሉ ምኽኒያት ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተገበሩ ከይዲታት ዘተ ተቐራረብቲ ውፅኢታት ከምዘምፀአ ይግለፅ።

ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ድማ፦

ምምሕያሽ ስርዓት ፖለቲካ

ኣብቲ ከይዲ ዘተ ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ስዒቡ፥  ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታት ፖለቲካ፣ ኣሰላልፋታት፣ መሓዉራት ኣተኣናጊዱ ኢዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ መሓዉር መንግስታት ኣካላት መውፃእቲ ሕጊ፣ ፈፀምቲ ሕጊን ተርጎምቲ ሕጊን ለውጢታት ንክግበረሎም ሓጊዙ ኢዩ።

ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ

በቲ ከይዲ ዝሓለፋ ሃገራት ሕገ መንግስተት ብምቕያር ሓዱሽ ምቕራፅ ወሲኹ ኣብ ዝተመረፁ ውሱናት ዓንቀፃት ምምሕያሽ ኣካይደን ኢየን።

ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢታት

ብህዝቢ ዝቐርቡ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት(ፀገማት) መሰረት ብምግባር ኣብ ዓውዲታት ሰናይ ምምሕዳር፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ተረባሕነት ኢኮኖሚን ወዘተ ዘለዉ ፀጋት ክፈትሑ ዝኽእሉ ስጉምቲታት ምውሳዶም።

ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝግበሩ ምምሕያሻት

ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ብነፃነት ሓሳብካ ናይ ምግላፅ መሰል ሓዊሱ ምሕላው መሰላት ደቂ ኣኒስቲዮን መናእሰይን ኣብ ምምሕያሽ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ።

ቅድም ክብል ንዝተፈፀሙ በደላት መፍትሒ ምሃብ

ኣብ ጎንፂ ዝፀንሑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዛዕባ ዝነበሮም ጎንፂን ኩነታት ቅርታን ብግልፂ ብምቕራብ መፍትሒ ንክወሃቦ ምኽኣሉ ዝብሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቦ ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment