ብኦዲት ምርመራ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ምስ ዘይሕጋዊ ዕደጋን ምጭብርባር ታክሲን ብምዝማድ ብዝተገበረ ኦዲት ምርመራ ንምንግስቲ ዘይተኸፈለ 5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ትካላት ወለድን ቅፅዓትን ሓዊሱ 12 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንክኸፍሉ ከምዝተወሰነ ሓላፊ ክፍሊ ስራሕ ምርመራ ምጭብርባር ታክሲ ሚኒስቴር እቶም ሲሳይ ገዙ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ 528 ትካላት መርመራ ኦዲት ከምዝተገበረ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።

ካብ መንጎ እቶም ኦዲት ዝተገበረ እቶም 322 ትካላት ስኑዕ ብፅሒት ካርድ ብምጥቃም ምጭብርባር ከምዝፈፀሙ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ስኑዕ ብፅሒት ብምሕታምን ብምውዛዕን ገበን ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 2 ትካላት ሕትመት ሓዊሱ 10 ዘይሕጋዊ ትካላት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ምስቲ ተግባር ብዝተዛመደ 14 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ጉዳዮም ብሕጊ ይረአ ከምዘሎን ተሓቢሩ።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment