ብኤጀንሲ ዳያስፖራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤሜሬትን ምስ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤሜሬትን ምስ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ተዛቲዩ።

ብዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት ዝምራሕ እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ መራሕቲ ኣወዳድባ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ፣ ምሁራንን ፍሉጣት ሰባትን ኢዩ እቲ ዘተ ተኻይዱ።

ዲያስፖራ ንሃገራዊ ፃውዒት ብምቕባል ይገብሮ ንዘሎ ግደ ምስጋና ቐሪቡ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ እዚ ግዘ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝሓትት ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ከባቢ ዱባይ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣፈላላዮም ንጎድኒ ብምግዳፍ ንምዕዋት ሃገራዊ ራእይ ብሓባር ምስርሖም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ንሃገራዊ ፕሮጀክትን እዋናዊ ሃገራዊ ፃውዒትን እቲ ዳያስፖራ ይህቦ ንዘሎ ህፁፅ ምላሽ ምስግና ኣቕሪበን።

እቶም ተሳተፍቲ ብግደኦም፥ መንግስቲ ተገዲዱ ናብ ምኽባር ሕጊ ንክኣቱ ከምዝተገበረን ዝተወሰደ ስጉምቲ ዝዘንገዐ ካብ ምዃኑ ወፃእ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዳያስፖራ ብዝወነኖ ፍልጠትን ልምዲን ንሃገሩ ንምሕጋዝ ድሉው ከምዝኾነ፣ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ዳያስፖራ ብሓባር ንምትእኽኻብ ይስራሕ ከምዘሎ፣ ካብ ኣፈላላይ ምጉላህ ሓድነት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዘለዎም፣ ዜጋታት ናብ ዱባይ ይኹን ኤሜሬትስ ዓረብን ሰሜን ኤሜሬትስን ብሕጋዊ መገዲ ብምኻድ ምስራሕ ንክኽእሉ ዝተጀመሩ ኣሰራርሓታት ናብ ተግባር ብዘይምእታዎም ዝተፈጠረ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣካይዳ ምስትኽኻል ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ቅድመ ሐዚ ካብ ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ብተወሳኺ ኣብ ሸነኽ ከባቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምጥያሽ ዝኸወን 50 ሺሕ ድርሃም ንምልጋስ ቃል ኣቲዮም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣቡዳቢ ብምምራሕ ኣብ ተመሳሳሊ ርእሰ ጉዳይ ኣብታ ከተማ ምስ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment