ብኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ጅቡቲ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ጅቡቲ ዲሌታ መሓመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብር ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ትማሊ ምሸት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ÷ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ታገሰ ጫፎን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ባይቶን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ምስ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ባይቶን ክልተኣዊ ዘተ እናገበረ ይርከብ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ልኡኽ ፓርላማ ጅቡቲ ካብ ኣፈ ጉባኤ ዲሌታ ብተወሳኺ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ጉጅለ ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ከምኡ እውን ኣባላት ፓርላማ ጅቡቲ ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ከምዝገለፁዎ÷ ዑደት ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርላማ ጅቡቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝገብሮ ፃንሒት÷ ስራሕቲ የምዓት ከምዝዕዘብን መድረኻት ልውውጥ ልምዲ ከምዝህለውን ምሕባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment