ብኣገልግሎት ወለንታ ንልዕሊ 2 ሚሊየን ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝወሃብ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ን2 ሚሊየን ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

ብወለንታ ዝውገኑ ሃገር ለኸ  ናፃ ክረምታዊ ምርመራ ጥዕና፣ መርሃ-ግብሪ ኣገልግሎት ሕክምናን ምኽሪን ኣብ ኮሌጅ  ሕክምና ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤን ሎሚ መዓልቲ ከምዝተጀመረ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ኣገልግሎት ወለንታ ናፃ ሕክምና ብብርኪ ሃገር ንክልተ ኣዋርሕ ከምዝካየድን በዚ ድማ ን2 ሚሊየን ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ፡፡

ካብቲ ኣገልግሎት ወለንታ ናፃ ሕክምና ብተወሳኺ ልገሳ ደም፣ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ዜጋታ ምሕዳስ ገዛን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ከምኡ እውን ተኸላ ፈልሲ ከምዝካየድ ኣብሪሀን፡፡

Comments (0)
Add Comment