ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፎረም ዶሃ ይካፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኳር “ፎረም ዶሃ” ይካፈል ኣሎ።

ፎረም ዶሃ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዘተ እንትኸውን፥ ሎሚ ዘበን “ስግግር ናብ ሓዱሽ ዘበን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንመበል 20 ግዘ ኣብ ኳታር ዶሃ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ፎረም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዓለም እናጋጠሙ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎም ቁልፊ ፈተናታትን ወሰንቲ ጉዳያትን ኣድሂቡ ብምዝታይ ግልፂ ኣንፈትን ተግባር ተኮር ምኅረ ሓሳባትን ከምዘቕምጥ ትፅቢት ይግበር።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ፎረም እናተሳተፈ እንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ናይ ብዙሓት ሃገራት መራሕቲ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment