ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሰብ መዚን ናብ መቐለ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሰብ መዚን ናብ መቐለ ኣምሪሑ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ አብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ናብ መቐለ ካብ ዝተጓዓዙ ሰብ መዚ ከምዝርከቡዎም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እቶም ርእሳነ ምምሕዳርን ሰብ መዚን ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሰላም ስምምዕነት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት የመርሃ ግብሪ ኣፍልጦ እንትሳለጥ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ናብ መቐለ ብምጉዓዝ ምቅርራብ ንኸጠናኽሩ ተዛሪቦም ከምዝነበሩ ይዝከር።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment