ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ውቅሮ ብኲናት ዝተጎድኡ ፋብሪካታት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ለረኡኽ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሰብ መዚን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ውቅሮ ብኲናት ኣብ ዝተጎድኡ ፋብሪካታት ዑደት ገይሩ።

ኣብቲ ዑደት÷ ርእሳነ ምምሕዳር ኩለን ክልላት፣ ከንቲባታት ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ÷ ፋብሪካ እምነበረድ ሰማያታን ፋብሪካ ቆርበት ሸባን ተዓዚቡ፡፡

እቶም ፋብሪካታት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖም ኣብቲ እዋን ዑደት ገለፃ ተገይሩሎም።

እቶም ፋብሪካታ ጉድኣት ስለዝበፅሖም ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ስለዘበሉ ኣብቶም ፋብሪካታት እናሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ዜጋታት ናብ ፀገም ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ፡፡

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ብግደኦም÷ እቶም ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዙ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment