ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ጅቡቲ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ጅቡቲ ኣቲዩ።

ኣብ ጅቡቲ እንትበፅሑ ድማ ብኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቲ ልኡኽ ቅድም ክብል ኣብ ሶማሊያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ ሞሃሙድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምዝታዩ ይፍለጥ።

ኣብ ዘተኦም ኣብ ክልታዊን ዞባዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment