ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ውድብ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጌሌ ዘቲዩ።

እቲ ዘተ ክልቲኣዊ ረኽቢ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ዝጠመተ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓውዲታት ዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ እውን ተገሊፁ።

እቶም ልኡኻት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ ደብዳበ ንፕሬዚዳንት ጅቡቲ  ኢስማኤል ኦማር ጌሌ መብፅሖም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment