ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ዩሮ ቦንድ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ጎድና ጎድኒ ኣብ ዋሽንግተን እናተኻየደ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤምኤፍ)ን ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ዩሮ ቦንድ ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ ዘተ ብመሰረት ሓበራዊ መርሃ ግብሪ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣተሓሕዛ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕያሽ ትኹረት ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ እዋን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተኻየዱ ሪፎርምታት ኢኮኖሚ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ መንግስቲ ምዝባዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምስትኅኻልን መካተቲ ዝኾነ ዕቤትን ኣብታ ሃገር ጋህዲ ንምግባር ብምሕሳብ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ከምዘካየደ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment