ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዛት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሰልማንን ላዕለዋይ ሓላፊ ማእኸል ዶክተር ኣብዱላህ ኣልራቢህን ኣብ ክልተኣዊ ሰብኣዊን ርዳእታን ጉዳያት ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ ምስ መካየዲ ስራሕ ፈንድ ልምዓት ስዑድ ዓረብ ሱልጣን ኣልማርሻድ ተራኺቦም እውን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ብሓገዝ ገንዘብ እቲ ፈንድ ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ፕሮጀክታት ፕሮግራም ልምዓት ዝርከቡሉ ብርኪ ብሓባር ገምጊሞም፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ስዑድ ዓረብ ኣብ ሰብኣዊ ርዳእታን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ንትገብሮ ኣስተዋፅኦ ናእደኦም ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment