ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ብሪታኒያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ግንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሪታኒያ ቪኪ ፎርድ ኣብ ጉዳያት ክልተኣዊን ምትሕብባር ኢኮኖሚን ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ቪኪ ፎርድን ዝተዛተዩ፤ ኣብ ክልተኣዊን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ምግባር ኣብ ዝከኣለሎምን ጉዳያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ጠቐምቲ ዛዕባታት ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ንምስታፍ ናብ ዋሸንግተን ዲሲ ምእታዉ ዝዝከር እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ካብቲ ኣኼባ ብተወሳኺ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ምይይጥ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴን ሚኒትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢብ ተካልኝን ምስቶም ሚኒስትር ገንዘብ ናብቲ ቦታ ምኻዶም ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment