ብኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓዊሱ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ዕዉት ውፅኢት ከምዝገበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እቲ ዘተ ጎና ጎድኒ ኣኼባ እዋን ፅድያ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ምስ ፕሬዚዳንታት፣ ዋና ዳይሬክተራትን ምክልትል ዋና ዳይሬክተራትን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ (ኣይ ኤፍ ሲ)ን ዝተገበረ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ቁጠባዊ ሃፍቲ፣ ፋይናንስን ምሕዝነትን ብዝምልከት ንልምዓት ኢትዮጵያ ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዘድሃበ ገለፃ ከምዝቐረበ እውን ተመልኪቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment