ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ፅቡቕ ኩነታትበ ይርከብ – መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ፅቡቕ ኩነታትበ ከምዝርከብ መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ።

መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ተመልኪቱ።

ኣባላት መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ቢሮ ምርመራ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተዓዚቦም።

ኣባላት እቲ ቦርድ ተጠርጠርቲ ምስ ስድረኦም ብስልኪ ዝራኸቡሉ፣ ምስ ጠበቐኦም ዝማኸሩሉን ቃል ዝወሃበሎም ክፍሊታትን ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።

ነቲ ዑደት ስዒቡ ድማ ምስ ሓላፊ  ቢሮ ምርመራ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ዘላለም መንግስቴ ተዛቲዮም።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣዝመራው ኣንደሞ ኣብቲ እዋን፥ ምስ ተጠርቲ ብዛዕባ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ምይይጥ ብምግባር ሓበሬታ ከምዝተኣከቡ ብምግላፅ እቲ ዘተ ብመሰረት ድሌት ተጠርጠርቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘይተረኸቡሉ ብዕፁው ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዑደት ድማ÷ “ተጠርጠርቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ፅቡቕ ከምዝኾነ፣ ምስ ስድረኦም ብስልኪ ዝራኸቡሉ ኩነታት ከምዘሎ፣ ምቹው መዕረፊ ክፍሊታት ከምዝተሰናድኡሎም፣ ክፍሊታት መቐበሊ ቃል ንፁህን እቲ ከይዲ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ከምዝኾነ ኣረጋጊፅና” ኢሎም።

“ተጠርጠርቲ ኣካላዊ ኩነታቶም ጥዑይ ምዃኑን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰሎም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ተመልኪትና ኢና” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ማእኸል ዝተጀመረ ተጠርጠርቲ ናይ ምጉብናይ ተግባር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ዘላለም መንግስቴ ብግደኦም÷ ብእዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ቁፅሮም 226 ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ከይዲ ምርመራ ብምዝዛም ወፅኢት ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበርን ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡን ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment