ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 ዓ. ም(ኤፍ ቢ ሲ)ብኣንፈት ክልል ዓፋር ኣለሌ ሱሉሌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሜይደይ ብዝብል ዝሰየሞ ሓይሊ ተግባር ግብረ ራዕዲ ብምፍፃሙ ሙሉእ ብሙሉእ ምድምሳሱ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ከምዝበልዎ፥ ብኣንፈት ክልል ዓፋር ፅሕተራ ዝፈፀመ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ተደምሲሱ።
ብተወሳኺ ኣብ ቆቦ ብዝኸፈቶ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝወሰዶ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ከምዝተደምሰሰ ሓቢሮም።
ንኩይናት ዘዋፈሮም ብዙሓት ህፃናት ከምዝተማረኹ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ዝወሰኖ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እቲ ጉጅለ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ከምፅቡቕ ዕድል ከምዝወሰዶ ብምግላፅ፥ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ፅሕተራ እንተፈፂሙ ስጉምቲ ከምዝወሰድ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፅሕተራ ደው ዘይምባሉ ብምርኣይ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር መንግስቲ ትእዛዝ እንተሂቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ንምጥፋእ እቲ ሰራዊት ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።