ብኣተሓባበራይነት ኣቢያተ ፅሕፈት ሰላምን ልምዓትን ሰለስተ ክልላት ዝተሰነደአ ጉባኤ ሰላም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣተሓባበራይነት ኣቢያተ ፅሕፈት ሰላምን ልምዓትን ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላ ዝተሰናደአ ጉባኤ ሰላም ኣብ ከተማ ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ።

ብምርቓት ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ዝተጀመረ እቲ ጉባኤ ሰላም÷ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡

ሓላፊ ሓበራዊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ልምዓትን ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላ ፍሮምሳ ሰለሞን ኣብ ዘቕረቡዎ ፅሑፍ÷ ህዝቢታት ሰለስቲአን ክልላት ናይ ነዊሕ እዋን ምትእስሳር ኣለዎም፡፡

እቲ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ህዝቢታት ሰለስቲአን ክልላት ብሰላምን ልምዓትን ተረባሒ ንምግባር ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሰላምን ሓድነትን ህዝቢታት ዘጠናኽሩ ክብሪታት ንምሕላው ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ምባሎም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment