ብ‘’ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ’’ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ብ‘’ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ’’ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይምረቑ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ቀፀልቲ ተስፋታት ኢትዮጵያ ከማኻትኩም ዝበሉ ንፍዓት ተምሃሮ ኢዮም ኢሎም።
ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣብ ቀፃሊ ንዓለም ኢሉ እውን ንሃገር ኣድላዪ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ግብርናን ካልኦት ዓውዲታትን ኣብ ምምሕያሽ ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣድላዪን ወሳኒን ኢዩ ኢሎም።
ብእወንታ ንሰባት ክጠቕም ብዝኽእል ዓሊምካ ክስራሕ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ብይስማው ኣደራው
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment