ብኢንጂነር ኣይሻ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ይሳተፍ ኣሎ።

መበል ዓስራይ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም ኣብ ከተማ ኣቡዳቢ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ዋና ዳይሬክተር ዩ ኤን ሃቢታት ሕቡራት መንግስታት ማይሙና ሞሃድ ሸሪፍ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ልምዓት ከተማታት፣ ከንቲባታትን ምሁራንን ኣብቲ መድረኽ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ፎረም ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ልውውጣት ልምዲን ምርኢት ኤግዚብሽንን ከምዝካየድ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment