ብንፅል ጎሊህና ንኽንረአ ዘይኮነስ ብሓባር ንምዕምባብ ኣእምሮና ዘስረውዕል ክኸውን ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብንፅል ጎሊህና ንኽንረአ ዘይኮነስ ብሓባር ንምዕምባብ ልብና ቅኑዕ ኣእምሮና ዘስረውዕል ክኸውን ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ መበል 17 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን፤ ኢትዮጵያ ብድምቀትን መሊኡ ዝረአየሉ ምልክትን መርአዪን ኢትዮጵያዊነት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“ኢትዮጵያ ናይ ኩልና ገዛ ኢያ፤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብሓባር ንዓብየሉን ንምዕብለሉን ኩነታት ብሓባር ክፈጥር እንተዘይክኢልና ሓዴና ብሰላም ክንነብርን ወፂና ክንኣቱን ኣየንኽእልን” ኢሎም፡፡

“ናይ ሕድሕድና ፀገም ክፍታሕ ዝኽእል ናይ ኩልና ፀገም እንትፍታሕ ኢዩ፣ ብንፅል ናይ በዕሉ ፀገም ጥራሕ ምፍታሕ ዝኽእል ዝኾነ ይኹ ውልቀ ሰብን ጉጅለን ቅድሚ ፀገም ኢትዮጵያ ዝፍታሕ ናይ ሰፈር ፀገም ከምዘየለ ክግንዘብ ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን÷ ናይ ኩሎም ባህሊ፣ ሓድጊ፣ ክብሪ፣ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ሓበራዊ ኩርዓት ኮይኑ ዝረአየሉ፣ ኩሉ ህዝቢ ንኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣድላዪ ከምዝኾነን ድምቀቱ ኣብ ፅላል ኢትዮጵያ ጎሊሁ ዝረአየሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ጫፍ ዝረገፁ ሓሳባት ኣለዉ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ንኣብነት ካብ ናይ ትማሊ ሓሳብ ዘይተላቐቑ፣ ፅባሕ ዝስረሐሉ ሕድሕድ ብሎኬት ዘፍርሱ፣ ብሓባር ምንባር ዘይኮነስ ምድፍፋእ ዝመርፁ፣ ብናይካልኦት ዛዕባ ዝተዓደጉ፣ ብደም ንፁሃን ፖለቲካ ዝሰርሑ ውሑዳት ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ከሙእ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዘዉ ሓቢሮም፡፡

“እዞም ግዜ ዝሰሓቱ ኣሕዋት ዘለና ምኽሪ ሎሚ እውን ኢትዮጵያ ክትፍተን ኢያ እምበር ኣይተፈርስን ዝብል ኢዩ” ኢሎም፡፡

ምዕባለን ልዕልነትን ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ካብ ሓቂን ፍቕሪን ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብኣንፃሩ ዛዕባ ተሰዓርቲ ሓይሊታት ፅልኢ፣ ምቕታልን ምድፍፋእን ከምኡ እውን ንፁሃን ምንግልታዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብሰሜን ኢትዮጵያ ዝጀመረ ሰላም ዘላቒን ዘተኣማምንን ንኽኸውን ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ልዑል ፃዕሪ ንገብር ኣለና” ክብሉ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment