ብናይ ሓጋይ መስኖ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብስርናይ ንምልማዕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ ሓጋይ መስኖ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብስርናይ ንምልማዕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር መለስ መኮንን፥ ካብቲ ዝለመዕ ሰፍሓት መሬት ልዕሊ 52 ሚሊየን ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ስርናይ ናብ ወፃኢ ዓዲ ንምልኣኽ ንዝሓዘቶ ትልሚ ዘዐውት ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ድልየት ስርናይ ውሽጢ ዓዲ ብሰብ ሞያ ከምዝተፀንዐ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ 97 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ሰርናይ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ብክረምታዊ ይኹን ሓጋይ መስኖ ዝለምዐ ፍሪያት ሰርናይ ነውሽጢ ዓዲ ካብ መሽፋን ሓሊፉ ሰደድ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ እወን ኢሎም።

ብዙፋን ካሳሁንን ሜሮን ሙሉጌታን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment