ብናዕቢን ትርምስን ፖለቲካዊ ድሌት ንምዕዋት ዝግበር ፈተነ ግመ ከም ምዕዃት ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናዕቢን ትርምስን ፖለቲካዊ ድሌት ንምዕዋት ዝግበር ፈተነ ግመ ከም ምዕዃት ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ካብ ሕዚ ንደሓር ጉልበትን ትርምስን ንስልጣን ከምዘየብቅዑን ጠበንጃ ፍልፍል ስልጣን መንግስቲ ዝኾነሉ ምዕራፍ ከምዝተዓፀወን ኣፍሊጡ።

መንግሰቲ ንዝኾነ ይኹን ኣፈላለይ ሓሳብ ብጠበንጃ ዘይኮነስ ፀገማት ንሰላማዊ መገዲ ቅድሚት ዝህብ ይኹን እምበር÷ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምህዋኽ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ዝወስዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ግን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ኣብ መግለፂ እቲ ኣገልግሎት÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈቶም ሓሙሽተ ናይ ለውጢ ዓመታ ብዙሓት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓወታት ከምዝተመዘገቡ ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር እቶም ዓወታት ብዙሓት ፈተናታት ብምስጋር ዝተረኸቡ ውፅኢታት ከምዝኾኑእውን ገሊፁ።

ዝመፅአ ለውጢ ካብ መፈለምትኡ ንኽተዓናቐፍ ብዙሓት ሽርሒታ ተፋሒሶም፣ ለውጢ ንምትዕንቓፍን ኣመራርሓ ለውጢ ተስፋ ንኽቖርፅ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈነዉ፣ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዞጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ፣ ኲናት ተወሊዑ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ከምዝበልዐን ብዙሕ ዋጋ ከምዝተኸፈለን ኣብሪሁ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ይኾነኒ ዝበሎ ፓርቲ ብምምራፅ ሕገ-መንግስታዊን ዴሞክራሲያዊን መንግስቲ ክምስረት ከምዝገበረ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ብምዃኑ ድማ ብናዕቢን ትርምስንፖለቲካዊ ድሌት ንምዕዋት ዝግበር ፈተነ ግመ ከም ምዕዃት ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

“ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ናብ ልምምድ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ብምእታዋ ብብልጫ ሓሳብ ክስዕሩ ዘይከኣሉን ተስፋ ዝቖረፁን ጉጅለታ ብብሄርን ብሰፈርን እናመሓሉ ፅንፈኛ ኣተሓሳስባ ብምጉስጓ ንመንግስቲ ብሓይሊ ንምምብርካኽ ዘኮዓቱዎ ጉድጓን ዘይተመሓዘዉዎ ሓይሊን የለን” ኢሉ።

እዞም ሓይሊታት ኣብ ዝኾነ እዋን ሓለውቲ መሰል ብሄር፤ ካሊእ እዋን ድማ መኽበርቲ መሰል ሃይማኖት እናመሰሉ ይንቀሳቐሱ እምበር ዕላመኦም ብሓሳብ ተወዳዲሩ ክሕዝዎ ዘይከኣሉ ስልጣን፤ መንግስቲ ብሓይሊ ንምቁፅፃር ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዞም ፅንፈኛ ሓይሊታ ካብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ፃምእ ስልጣንን ወፃእ ናይ ዝኾነ ብሄር ይኹን ሃይማኖት ወኪል ከምዘይኮኑ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

“ሓደ ቅዱስ ካሊእ ኣርዮስ፤ ንፁሃን እናጨፍጨፉ፤ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እናቐተሉ፤ ኣብ ልዕሊ ናይ ቁርፂ እዋን ዋሕስ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ዘይተረጋገአ ሃገረ መንግስቲ ከይህሉ እናሰርሑ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ዝኾነ ይኹን ብሄር ወኪል ክኾኑ ኣይኽእሉን” ኢሉ።

ብምዃኑ ዘይሕጋዊ ተግባር እናፈፀሙ ኣብ ጓጓ ብሄር ንምሕባእ ዝፍትኑ ፅንፈኛታት ህዝቢ ቅቃለሶም ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ውዳበ ፀፅታ ብምጥንኻር፣ ሓደ ጥንኩር ሰራዊት ምክልኻል ብምህናፅ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፀገማት ፀፅታ ብዘለዋቕነት ንምፍታሕ ልዑል ርብርብ እናገበረ ይርከብ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት÷ ኣካላት ፀፅታ ክልላት መሊስካ ብምውዳብ ሓደ ጥንኩር ሃገራዊ ሰራዊት ብምህናፅ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

መንግስቲ ብተደጋጋሚ ከምዝገልፆ ንዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ሓሳብ ብጠበንጃ ዘይኮነስ ብሰላማዊ መገዲ ፀገማት ንምፍታሕ ቅድሚት ዝህብ ይኹን እምበር፤ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምህዋኽ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ዝወስዶ ስጉምቲ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ህዝቢ እውን ሃገር መፍረሲ ተግባር ፅንፈኛታት ብምግንዛብ ከምዝተለመደ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ፀዊዑ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment