ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቮስግሉ ተዛቲዩ።
ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ምስ’ቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ እዋናዊ ክልቲኣዊን ቀጠናዊን ዛዕባታት ከምኡውን ኣብ ስትራቴጂያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምድሃብ ተላዚቦም።
እቲ መድረኽ ዘተ ብዝምልከት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቮስግሉ ኣብ ትዊተር ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝተገበረ ዘተ ውፅኢታዊ ነይሩ ኢሎም።
ብብርኪ መራሕቲ ዝተገበረ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዑደትን ልዝብን ክብ ኣብ ምባል ትኹረት ዝገበረ ከምዝነበረ እውን ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ብኹለመዳይ ዘሎ ሽርክና ብፍላይ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘሎ ምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ከምዝተዛተዩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቮስግሉ ገሊፆም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana