ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ብትራክተር ዝሕረስ መሬት ምጣንኡ 5 ሚሊየን ሄክታር ከምዝበፅሐ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ልፅግናን ሚኒስትር ሕርሻን ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ሕርሻ ትሑረት ተዋሂቡ እናተሰርሐሉ ይፅናሕ እምበር ካብ ፖሊሲ ጀሚሩ ተግባራዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ እኹል ትኹረት ከምዘይተውሃቦ ብምዝኽኻር÷ ናይ ለውጢ መንግስቲ እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ካብ ዝወሰዶም ቀዳሞት ስጉምቲታት እቲ ቀንዲ ናይ ፖሊሲ ስጉምቲ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
በዚ ድማ ንሕርሻ ሜካናይዜሽን መስኖን ዘገልግሉ መሳርሒታት ካብ ቀረፀ ናፃ ናብ ሃገር ብምእታው ብቐሊሉ ተበፃሕቲ ክኾኑ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
ማሽነሪታት ሜካናይዜሽ ሕርሻ ኣብ መላእ ክፍሊታት እዛ ሃገር ተበፃሒ ንኽኾኑ ከምዘኽአለ እውን ኣገንዚቦም።
በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተሰትሑ ስራሕቲ ብትራክተር ዝሕረስ መሬት ምጣንኡ 5 ሚሊየን ሄክታር ከምዝበፅሐ ምግላፆም ግዚኤ ፀብፂቡ፡፡