ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ደረሰኝ ኢድ ብኢድ መሸጣ ናብ ስርዓት ዕድጊት ንምእታው እናተሰርሐ ይርከብ

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ደረሰኝ ኢድ ብኢድ መሸጣ ናብ ስርዓት ዕድጊት ንምእታው እናተሰርሐ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምትላል ዝንኪን ብቐሊሉ ዝፍለይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ደረሰኝ ኢድ ብኢድ መሸጣ ናብ ስርኣት ዕድጊት ንምእታው እናተሰርሐ ምኳኑ ሚኒስቴር እቶት ገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ድጋፍ ክልላት ምጥዕዓም ስርዓት ታክሲ እቲ ሚኒስቴር ብርሃኑ አበበ፤ ደረሰኝ ብግቡእ ተታሒዙ ተዘይተሰሪሕሉ ኣብ ኣታኣኻኽባ እቶት ልዑል ፅዕንቶ ከብፅሕ ከምዝክእል ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚስጥራዊ ኮድ (QR CODE) ዘለዎ ደረሰኝ መሐተሚ ትካል ብርሃንን ሰላምን ሓላፍነት ወሲዱ እናሕተመ ምኳኑ ሓቢሮም፡፡

በዙይ እውን 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ሕቶ ሕትመት ጥራዝ ደረሰኝ ናብቲ ትካል ከምዝቐረበ ሓቢሮም፡፡

ፍሉይ መፍለዩ ዘለዎ ሕትመት ደረሰኝ ሕቶ ዘቕርብሉ ዕለት 30 ለካቲት 2017 ዓ.ም ከምዝዛዘም ኣፍሊጦም፡፡

ከፈልቲ ግብሪ እውን ሕቶ ሕትመት ደረሰኝ ከቕርቡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

37 ሽሕ ጥራዝ ደረሰኝ ተሓቲሙ ንከፈልቲ ግብሪ ምብፅሑ ድሕሪ ምሕባር ፤ ደረሰኝ ዝበፅሖም ከፈልቲ ግብሪ ነባር ደረሰኝ ኣወጊዶም ብሓዱሽ ደረሰኝ ጥራሕ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ኣመላኪቶም፡፡

ሓዱሽ ደረሰኝ ዘይበፅሖም ከፈልቲ ግብሪ ድማ ክሳብ 30 ሰነ 2017 ዓ.ም ብነባር ደረሰኝ ክጥቀሙን ካብ 1 ሓምለ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ዕድጊት ብሓዱሽ ደረሰኝ ክጥቀሙ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment