ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠርጠሩ 4 ኢትዮጵያውያን ብምርመራ ውሽጢ ዓዲ ናፃ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ብምርመራ ውሽጢ ዓዲ ናፃ ምዃኖምን ንተወሳኺ ምርመራ ናሙና ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝተልኣኸን ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ካብ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ዋዒ ሰውነቶም ክብ ብምባሉን ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ከይኾኑ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ኳረንቲን ቡሌ ጣፋ ንበይኖም ብምፍላይ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ክሳብ ሕዚ መቲ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ትካላት፥ ይኹን እምበር ኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካብ ውሽጢ ዝመፅኡ ኣርባዕተ ተምሃሮ እቲ ሓደ ምልክት ሰዓል ስለዝተርኣየሉ እቶም ካልኦት ሰለስተ ተምሃሮ ድማ ምስኡ ዝመፅኡ ስለዝኾኑ ኣብ ማእኸል ፈሊኻ ምፅናሕ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣርባዕቲኦም ተጠርጠርቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ላቦራቶሪ ምርመራ ተገይሩሎም ካብ ሰዓል መሰል ሕማም ናፃ ምዃኖም ዝተረጋፀ ዋላኳ እንተኾነ፥ ንልዑል ምርመራ ደሞም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ።

ካብ ዝተገበረሎም ምርመራ ውሽጢ ዓዲ ካብ ሓሙሽተ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ናፃ ምዃኖም ምፍላጥ ከምዝተኽኣለ እቶም ትካላት ኣረጋጊፀም።

እቲ ሓደ ተጠርጣሪ ምልክት ሰዓል ዝተርኣየሉ ዋላ እኳ እንተኾነ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ጥዕና ኩሎም ተጠርጠርቲ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ፥ ካብ ቻይና ግዝኣት ጓንዡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ክልተ ቻይናውያን ምህላዎም ኤምባሲ ቻይና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፤ እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝርከብ ማእኸል መመርመሪ ንኽልተ ሰዓታት ምርመራ ምስተገበረሎም እቲ ቫይረስ ምስ ዝርከበሉ ከባቢ ርክብ ዘይብሎም ምዃኖም ስለዝተረጋገፀን ብመሳርሒ መፍለዪ ሙቐት ዝተረኸበ ምልክት ስለዘይብሎምን ብሰላም ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዘሎ ከይዲ ስራሕቲ ምርመራ ብዝምለከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ ሓበሬታ ጉዕዞ መንገደኛታትን ምስ መን ከምዝተራኸቡ ዘርኢ ሓበሬታ ብምእካብን ምርመራ እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም።
ከይዲ ምርመራ ዕዉት ንምግባር ተወሰኽቲ ሰብ ሞያታት ብምምዳብ ብሰለስተ ፈረቓ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ትካላት ኣፍሊጦም።

ምስ መገዲ ኣየርን ዝተፈላለዩ ኤምባሲታትን ሓበሬታ ብምልውዋጥን ብሓባር ምስራሕን ተግባር ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ስራሕቲ ስክሪኒንግ ንምጅማር ምድላዋት ምውጋኖምን ገሊፆም።

ብትዝታ ደሳለኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment