ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኸፉ ሰባት ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝኾኑ 645 መንበሪ ኣባይቲ ተዳሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ንዝተለኸፉ ሰባት ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝዓርፉሎም 645 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተዳለዉ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ከምዝበለኦ፥ ኣብ እዋን ከይዲ ምቁፅፃርን ምላሽ ምሃብን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ትኹረት ዝወሃቦ ነገር ጉዳይ ሰብ መያታት ጥዕና ኢዩ።

እዚ ድማ ሰብ ሞያታት ጥዕና ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብ ብዝተፈለየ መልክዑ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእቲዮም ዝሰርሑ ምዃኖምን ገሊፀን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መሰረት ብምግባር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንሰብ ሞያታት ጥዕና ንምሕጋዝን ንምሕላውን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዝዓርፉሎም 645 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተዳለዉ ኣገንዚበን።

ካልኦት ልዕሊ 600 ዝኾኑ መንበሪ ኣባይቲ ድማ ኣብ ምድላው ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ንሰብ ሞያታት ጥዕና ዝኾኑ እታወታት መከላኸሊ ኢንፌክሽን ኣብ ትካላት ጥዕና ናይ ምምላእ ስራሕቲ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፈሊጠን።

ተበፃሕነት እቶም ናውቲ መከላኸሊ ሕክምና ብብርኪ ዓለም ሕፅረት ከምዘጋጠመ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ እቶም እታወታት ንምምላእ ብሓገዝን ብዕድጊትን እናተኣከበ ምዃኑ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment