ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ናብ ክፍሊ መሐከሚ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ናብ ክፍሊ መሐከሚ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣትዉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሜዲካል ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ሚሊኒየም ዶክተር ውለታው ጫኔ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ማእኸል ልዑል ክትትል ዘድሊዮም ተሓከምቲ ጥራሕ እናተቐበለ ይርከብ።

ኣብቲ ማእኸል ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና መውሃቢ ኦክስጂን እውን ብምኽንያት ምውሳኽ ቁፅሪ ሕሙማት እናመልአከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሜዲካል ዳይሬክተር፥ በቢመዓልቱ ክሳብ 20 ዘበፅሑ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ናብቲ ማእኸል የኣትዉ ኣለዉ ኢሎም።

ቁፅሪ ሕሙማት ከምዙይ ኢሉ እንተቐፂሉ ድማ እቲ ማእኸል ሕሙማት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ ናብ ፈተና ክኣቱ ከምዝገብሮን ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ምውሳኽ ድማ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ማእኸል ልዑል ክትትል ዘድሊዮም 217 ሰባት ዝርከቡ እንትኾኑ፥ እቶም 44 ሰባት ብፅኑዕ ዝሓመሙ ምዃኖም ገሊፆም።

ዶክተር ውለታው ከምዝበሉዎ መብዛሕተኦም ሰባት ሓገዝ ኦክሲጅን ዘድሊዮም ሰባት እንትኾኑ፥ በቢ መዓልቱ ናብቲ ማእኸል ዝኣትዉን ብፅኑዕ ዝሓመሙን ቁፅሪ ሰባት እውን ወሲኹ ኢዩ።

እቲ ማእኸል ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሰባት ዝሓከመ እንትኸውን፥ 22 ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ኣብቲ ማእኸል ልዕሊ ኣርባዕተ ሰብ ሞያታት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ሕብረተሰብ ምዝንጋዕ ጠጠው ከብል ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ሃብ 40 ሺሕ ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ልዕሊ 650 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment