ብቫይረስ ኮረና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝመፅኡ 465 ሰባት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ-ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣስታት 125 ሺሕን 850 ዝኾኑ ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርመራ ከምዝሓለፉ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር እዋናዊ ኩነታት ቫይረስ ኮረና ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ 3 ሺሕን 538 ተጓዓዝቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታት ከምዘለውወን ሪፖርት ካብ ዝገበራ ሃገራት ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብቫይረስ ኮረና ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝመፅኡ 465 ሰባት ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ብምሕባር፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ክትትል ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ከምዘየጋጠመ ኣብሪሁ።

ካብ 15 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ 51 ተጠርጠርቲ ናብ ማእኸል መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ምላሽ ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብምልልኣኽ ምፅራይ ከምዝተገበረ ድማ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እቶም 16 ሰባት ብዝተገበረ ምፅራይ ምልክት እቲ ሕማም ስለዝተርኣዮምን ታሪክ ጉዕዞ ቻይና ስለዝነበሮምን ንበይኖም ብምፍላይ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ክቕመጡ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ብዝተገበረ ምርመራ ላባራቶሪ ድማ ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኖም ብምርግጋፁ ናብ ሕብረተሰብ ክሕወሱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment