ብብር 4 ነጥቢ 6 ቢሊየን እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት ዜሮ ኪሎ ሜትሮ ሙዜም ዓድዋ ህንፀቱ ልዕሊ 43 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብር 4 ነጥቢ 6 ቢሊየን እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት ዜሮ ኪሎ ሜትሮ ሙዜም ዓድዋ ህንፀቱ ልዕሊ 43 ሚኢታዊ ምብፅሑ ተገሊፁ።

ናፅነት ኣፍሪካ ኢሉ እውን ናፅነት ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ዝዝክር ሙዚየም ዓድዋ በዓል ኣርባዕተ ደብሪን 11 ብሎካትን ዝሕዝ ህንፃ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ፻ ሺሕ ተሸከርከርቲ ከተኣናግድ ዝኽእል ፓርኪንግ፣ መአከቢ ኣዳራሻት፣ ካፊቴሪያታት፣ ቤተ መፃሕፍቲ፣ መዘናግዒ ቦታታት ሓዊሱ ኣካል እቲ ዋና ፕሮጀክት ዝኾነ ሙዚየም ዓድዋ ክሕዝ ኢዩ።

ምክትል መካየዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ምሬሳ ሊክሳ፥ ከይዲ ህንፀት እቲ ሙዜም ብዘይ ምንም ዕረፍቲ 24 ሰዓት ይሳለጥ ኣሎ ኢሎም።

ዓወት ዓደዋ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ብዝበለፀ ንዓለም ንምፍላጥ ዝሕግዝ እቲ ሙዜም፥ ጀጋኑ ኣቦታት ካብ መጀመርታ ንቃልሲ ካብ ዝወፅኡ ጀሚሮም ዓወት ክሳብ ዝሓፈሱሉ ኢሉ እውን ዝነበሩ ታሪኻዊ ተሳትፎታት ዝዝክሩሉ ኢዩ።

ህንፀት እቲ ሙዜም ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ምለት እውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ወርሒ መስከረም ንምዝዛም ተሓሲቡ እናተሰርሐ ይርከብ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንኽዛዘም ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኢንጅነር ምሬሳ ተዛሪቦም።

ተቋራፂ ስራሕ ቻንሲ ቻይና ህንፀት እቲ ፕሮጀክት እናሰርሐ እንትኸውን፥ ብኣማኻሪነት ድማ ኮርፖሬሽን ኮንስትራክስሽን ዲዛይን ኢትዮጵያ እናተሳተፈ ይርከብ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment