ብብር 28 ሚሊየን ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ነበርቲ ተሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ደጋሃቡር ብብር 28 ሚሊየን ዘህነፆም መንበሪ ኣባይቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ነበርቲ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽከብ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)ን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሙስጠፌ መሃመድን ተረኺቦም።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥  ብኣፈልፋልነት ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ረ) ዝተጀመረ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ነበርቲ ገዛ ናይ ምህናፅ መርሃ ግብሪ መንግስቲ ንሰብኣዊ ልምዓት ዝሃቦ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሚኒስቴር ንነበርቲ ዘረከቦም ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 97 መንበሪ ኣባይቲ ንተረባሕቲ ምትሕልላፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment